ስለምንታይ ሂወትካ ኣብ ሓደጋ እተእቱ?
ዝሓሸ ናይ ቑጠባ መጻኢ ንክህልወካ ዲኻ ሃገርካ ትገድፍ ዘለኻ?

ስራሕ ክትደሊ ዲኻ ሃገርካ ትገድፍ ዘለኻ?

እዞም ምኽንያታት እዚኣቶም ንሓደ እኹል ሰብ (ልዕሊ ዕድመ) ኣብ ነርወይ ዑቑባ ንኽረክብ ብቑዓት ኣይኮኑን

ከም ሓቂ እካ ድኣ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ኢኻ።

ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ናብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጉዕዞኦም ሂወቶም ስኢኖም ወይ ግፍዒ ወሪድዎም እዩ።

ካብ 2014 ጀሚሩ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ከለው ሂወቶም ሲኢኖም እዮም።

እሞ ስለምንታይ ደኣ መንበሪ ፍቃድ ንዘይትረክብ ሂወትካ ኣብ ሓደጋ ተእቱ ከምኡ ውን ዘዋህለልካዮ ገንዘብካ ንኣሰጋገርቲ ትኸፍል?

ጽኑዕ ናይ ዕቁባ ሕጊ ኣብ ነርወይ

ናይ ምምላስ ሓደጋ ኣለካ።

ነርወይ ነቶም ናይ ዑቑባ መሰል ዘይብሎም ፈለስቲ ውሕስቲ መዕቆቢት ኣይኮነትን።

ዑቑባ ዘየድልየካ ምስ ዝኸውን ብሓይሊ ናይ ምምላስ ኣጋጣሚ (ተኽእሎ) ኣለካ።

ኣብ 2015 ፓሊስ ናይ ነርወይ ከባብ 8000 ሰባት ጠሪዙ።

ቅድሚ ነቲ ሓደገኛ ናይ መርከብ ጉዕዞኻ ምጅማርካ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቱ።

ጽኑዕ ናይ ዕቑባ መምርሒታት ኣብ ነርወይ
ፍልሰት ናብ ነርወይ ጽኑዕ ምቑጽጻር ዝግበረሉ’ዩ

ኣብ ነርወይ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር እንተደሊኻ ናብ ነርወይ ቅድሚ ምጉዓዝካ ምስቲ ጉዳይካ ዝተሓሓዝ ፍቃድ ክትሓትት ኣለካ።

ኣብ ነርወይ ዑቕባ ወይ ካልእ ፍቓዳት ክረኽቡ ብቑዓት ዘይኮኑ ሰባት፡ ከምኡ ውን እቲ ዘቕረብዎ መመልከቲ ሕቶ ምስ ዝንጸግ ናይ ግድን ናብ መበቆል ዓዶም ወይ ድማ ናብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ሃገር ክምለሱ ኣለዎም።

ብፍቓዱ (ብድሌቱ) ዘይተመልሰ ሰብ ድማ ብግዲ (ብሓይሊ) ናይ ምምላስ ሓደጋ ከጋጥሞ’ዩ።

ሃገረ ነርወይ ኣብ ዓመተ 2016 ጽኑዕ ናይ ዕቑባ ቁጽጽር ዝምልከት ሕግታት ብምምሕያሽ ኣብ ትግባረ ኣውዒላቶ ኣላ።

ገለ ካብኣቶም ድማ፡-

– ዕቑባ (ፕሮተኽሽ) ኣብ ዘየድልየሉ ግዜ ናይ ስደተኛ መሰልን መንበሪ ፍቓድን ክሕደግ ይከኣል’ዩ።

– ሃገረ ነርወይ ምስ ሃገረ ቱርኪ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ዳግመ-ምምላስ ስምምዕ ናይ ቱርኪ ዜጋታት፡ ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ከምኡ ውን ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ዘይወደቐ ቪዛ ወይ ውን ዘይወደቐ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልዎም ናብ ሃገረ ቱርኪ ክምለሱ ይኽእሉ።

– ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ዘቅረብዎ ሕቶ ናይ ዕቑባ ውልቃዊ ኩነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው እንተተነጺጉ ከምኡ ውን ነቲ ናይ ዕቑባ መስርሕ ብዘይግቡእ መገዲ ተጠቂሞምሉ እንተ ጸኒሖም ክስጎጉ ይከኣል እዩ፡

– ኣብ ምምስራት ስድራቤት ክልቲኦም መጻምድቲ ብዝተሓተ ዕድሚኦም 24 ዓመት ክኸውን ይግባእ። ከምዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ብዘይ ድሌት (ብሓይሊ) ዝግበር መርዓ ንምውጋድ እዩ። ብወለንታ ዝተገብረ መርዓ ወይ ዝምድና (ብሓባር ምንባር) ካብዚ ተሓተትነት ነጻ እዩ፡

– ሰብ መዚ ኢሚግሬሽን ምስ መምርሒታት ናይ ኢሚግሬሽን ዝጋጮ ንኣብነት ሓደ ናይ ወጻኢ ዜጋ ኣብ ነርወይ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ብዛዕባ መንነቱ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከሎ ተሓቲቱ መንነቱ ክሓብእ ወይ ክትሓብእ እንተ ፈቲኑ ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቃድ ክንጸግ ይኽእል እዩ።

– እቶም ብሓባር ናይ ዕቑባ መሰል ዝረኸቡ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ነርወይ 6 ዓመት ክሳብ (ዘይተቀመጡ) ዘይገበሩ ቀዋሚ መንበሪ ፍቃድ ክወሃቦም ብቑዓት ከምዘይኮኑ ተወሲኑ። ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ኣብ 4 ዓመቶም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም።